Radio Erena: (ራድዮ ኤረና) News Feed:

ድሕሪ ለበዳ ኮረና ቫይረስ፣ ቱሪዚም ኣብ ኣፍሪቃ ብ3.5% ክዓቢ ተኽእሎ ከምዘሎ ተገሊጹ - Radio Erena

Radio Erena: 03 June 2020 ሓያሎ ሃገራት ኣፍሪቃ፣ ካብ ቱሪዝም ዝረኽብኦ ዝነበራ ኣታዊ፣ ብሰንኪ ለበዳ ኮረና ቫይረስ ዳርጋ ናብ ዜሮ’ዩ ወሪዱ ዘሎ። እቲ ለበዳ፣ ናህሩ ቀኒሱ፣ ኣብ ዝመጽእ ኣዋርሕ መዓርፎ ነፈርቲ ዝበዝሓ ሃገራት ዓለምና ስሩዕ ኣገልግሎታቱ ንምጅማር ኣብ ምድላው ይርከብ። ኣብ ሓያሎ ምዕራባውያን ሃገራት፣ ናይ ክረምቲ ዕረፍቱ ዝኣትወሉ ወቕቲ’ውን ምስ ምዃኑ፣ ድሕሪ ኮረና ቫይረስ፣ ቱሪዝም […]
erena.org
3h

ካርቱም፣ ብሰንኪ ኮረና ዝተኣወጀ ሰዓታት እቶ እቶ ንክልተ ሰሙን ኣናዊሓ - Radio Erena

Radio Erena: 03 June 2020 ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ፣ ብኮረና ቫይረስ፣ ብዝያዳ ካብ ዝተሃስያ ሃገራት ዝኾነት ሱዳን፣ ኣብ ከተማ ካርቱም ዝተኣወጀ ሰዓታት እቶ እቶ ንተወሳኺ ክልተ ሰሙን ተናዊሑ። ብዘይካ’ዚ፣ ካብ 18 ሚያዝያ ኣትሒዙ ደው ኢሉ ዘሎ ካብን ናብን ዞባታት ዝካየድ መገሻታት ንተወሳኺ ክልተ ሰሙን ከምዘለዎ ክቕጽል’ዩ። ኣብ ሱዳን፣ ልዕሊ 5100 መልከፍቲ ኮረና ቫይረስ ክምዝገብ እንከሎ፣ ምስቲ […]
erena.org
3h

ደሃዮም ዝጠፍአ ሰለስተ ባሕረኛታት ቱርኪ፣ ኣብ ኤርትራ ተታሒዞም ክህልዉ ከምዝኽእሉ ተገሊጹ - Radio Erena

Radio Erena: 02 June 2020 ንክሊ ማያት ዓለምና ኣብ ምዛር ዝነበሩ ሰለስተ ባሕረኛታት ቱርኪ፣ ደሃዮም ዝጠፍኣሉ ናይ መወዳእታ ቦታ፣ ኣብ ገማግም ባሕሪ ኤርትራ ምዃኑ ተሓቢሩ። እቶም ደሃዮም ካብ ዝጠፍአ ወርሒን ሰሙንን ዘቑጸሩ ባሕረኛታት፣ ካብ ገማግም ባሕሪ ጂቡቲ ድሕሪ ምብጋሶም፣ ብሰንኪ ሕማቕ ኩነታት ኣየር መኣዝኖም ብምቕያር ናብ ገማግም ባሕሪ ከምዝተጸግዑ ጋዜጣ ሑርየት ካብ ኢስታንቡል ኣመልኪታ። ብመሰረት […]
erena.org
21h

ኤርትራ ዘይብሉ ናጻ ናይ ንግዲ ከባቢ ኣፍሪቃ (AfCFTA)፣ ኣብ ግብሪ እንተውዒሉ፣ ድሕሪ ኮረና ቫይረስ፣ ቁጠባ ንምሕዋይ ክሕዝግ ይኽእል'ዩ ተባሂሉ - Radio Erena

Radio Erena: 02 June 2020 ኣህጉር ኣፍሪቃ ናጻ ናይ ንግዲ ከባቢ (African Continental Free Trade Area – AfCFTA) ድሕሪ ለበዳ ኮረና ቫይረስ ንዝህሉ ቁጠባዊ ሕውየት ክሕግዝ ናብ ትግባረ ክሰጋገር ኣለዎ ክብሉ ክኢላታት ቁጠባ ውድብ መግብን ሕርሻን ተማሕጺኖም። እቲ ኣብ 21 መጋቢት 2018 ኣብ ኪጋሊ ኣብ ዝተጋብአ ዋዕላ ዝተበገሰ ናጻ ናይ ንግዲ ከባቢ፣ ኣብ ፈለማ ኣስታት […]
erena.org
1d

ሕብረት ኤውሮጳ፣ ንኤርራን ሱዳንን ዝገለለ ናይ 105 ሚልዮን ኤውሮ ሰብኣዊ ሓገዝ ንቀርኒ ኣፍሪቃ ኣበርኪቱ - Radio Erena

Radio Erena: 02 June 2020 ሕብረት ኤውሮጳ፣ ብሰንኪ ለበዳ ኮረና ቫይረስ ንዘጋጠመ ናይ መነባብሮ ጸገማት ንምፍታሕ፣ ንኣርባዕተ ሃገራት ቀርኒ ሃገራት ኣፍሪቃ ናይ 105.5 ሚልዮን ኤውሮ ሰብኣዊ ሓገዝ ኣበርኪቱ። እቲ ሕብረት፣- ንሶማል 48 ሚልዮን ኤውሮ፣ ንኢትዮጵያ 42 ሚልዮን ኤውሮ፣ ንኬንያ 15 ሚልዮን ኤውሮ ንጂቡቲ ድማ ኣስታት ፍርቂ ሚልዮን ኤውሮ ዝውዕል ሰብኣዊ ሓገዝ ከምዘበርከተ ዝሓለፈ ቅንያት’ዩ ብወግዒ […]
erena.org
1d

ቅትለት ጆርጅ ፍሎይድ፣ ኣብ ሜዳታት ስፖርት ኤውሮ ናይ ተቓውሞ ስምዒታት ፈጢሩ - Radio Erena

Radio Erena: 02 June 2020 ኣብ ኣመሪካ፣ ሚንያፖሊስ፣ ኣብ ልዕሊ ጸሊም ኣመሪካዊ ጂዮርጅ ፍሎይድ፣ ብፖሊስ ድሕሪ ዝሰዓበ ጭካኔ ዝተሓወሶ ቅትለት፣ ብደረጃ ዓለም ናይ ተቓውሞ ስምዒታት ኣለዓዒሉ ከምዘሎ ዝፍለጥ’ዩ። ኣብ ከተማታት ኣመሪካ፣ ምቅጻል መደበራት ፖሊስ ዘስዓበ ናዕብን ተቓውሞን ክካየድ እንከሎ፣ ኣብ ካልኦት ሃገራት’ውን ነቲ ኢሰብኣዊ ቅትለት ዝኹንን ናይ ተቓውሞ ስምዒታት ብዝተፈላለየ መልክዓት ይግለጽ ኣሎ። ውራያት ስፖርተኛታትን […]
erena.org
1d

وفاة مواطنة في منطقة بده نتيجة حرمانها من العلاج - Radio Erena

اذاعة إرينا الدولية: الاخبار الاثنين 1 يونيو 2020 |أفادت منظمة عفر البحر الأحمر لحقوق الانسان بأن المواطنة فاطمة محمد عمر من سكان منطقة بده توفيت ليلة أمس الأحد الحادي والثلاثين من مايو بسبب طردها من المركز الصحي للبلدة وحرمانها من العلاج. وقالت المنظمة أن السيدة فاطمة والبالغة من العمر ثلاثين عاما وهي لأم لأربعة أطفال […]
erena.org
2d

ሶማል፣ ሸውዓተ ሓካይም ግብረ ሰናይ ተቐቲሎም - Radio Erena

Radio Erena: 01 June 2020 ኣብ ሶማል፣ ከባቢ ሞቛድሾ ኣብ እትርከብ ቁሸት፣ ሸውዓተ ሓካይም ግብረ ሰናይ ተቐቲሎም። እቶም ኣባላት ዘቤታዊ ትካል ግብረ ሰናይ ዘምዘም ዝኾኑ ሰብ ሞያ ጥዕና፣ ማሕበራዊ ኣገልግሎታት ኣብ ዘይብሉ ቁሸታት እናተዘዋወሩ ሕክምናዊ ኣገልግሎት ይህቡ ምንባሮም ጸብጻብ መንግስቲ ይሕብር። ንሳቶም፣ 30 ኪሎሜተር ካብ ከተማ ሞቛድሾ ርሒቃ ኣብ እትርከብ ቁሸት ጎላለይ፣ ብ28 ግንቦት ሞይቶም’ዮም […]
erena.org
2d

"ሰራዊት ኢትዮጵያ፣ ንጹሃት ዜጋታት ቀቲሉ" ንዝብል ጸብጻብ ኣምነስቲ፣ መንግስቲ ነጺግዎ - Radio Erena

Radio Erena: 31 May 2020 ሰራዊት ኢትዮጵያ፣ 10ታት ሰለማውያን ዜጋታት ምቕታሉ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ንዘቕረቦ ጸብጻብ መንግስቲ ነጺግዎ። እቲ ኣህጉራዊ ትካል ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ፣ ካብ ታሕሳስ 2018 ክሳብ ታሕሳስ 2019 ኣብ ዝነበረ 12 ኣዋርሕ፣ ኣብ ዝተፈላለያ ክልላት እታ ሃገር፣ 39 ስለማውያን ሰባት ከምዝተቐትሉ’ዩ ኣቃሊዑ። እቲ ዓመት’ቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ፣ ተሸላሚ ናይ ሰላም […]
erena.org
3d

ኢትዮጵያ፣ ዶባት፣ ሉኡላውነትን ናጽነትን ጎረቤታ ሃገር ከተኽብር ሱዳን ኣጠንቂቓ - Radio Erena

Radio Erena: 31 May 2020 ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሱዳን፣ ብዛዕባ’ቲ ሰራዊት ኢትዮጵያ ዝሓለፈ ሰሙን፣ ኣብ ከባቢ ሩባ ኣጥባራ ዝፈጸሞ መጥቃዕቲ ብዝምልከት፣ ንፈጻሚ ጉዳያት ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ ካርቱም ናብ ቤት ጽሕፈቱ ብምጽዋዕ ከምዘዘራረቦ ኣገልግሎት ዜና ሱዳን- ሱና ሓቢሩ። እቲ ሚኒስተሪ፣ ነቲ ኢትዮጵያ ዲፕሎማሰኛ፣ ብ30 ግንቦት ናብ ቤት ጽሕፈቱ ኣብ ዝጸውዓሉ እዋን፣ ሰራዊት ሃገሩ ዝፈጸሞ መጥቃዕቲን ብሰንኩ […]
erena.org
3d

ፈረንሳ ኣብ ግሪኽ ካብ ዝርከቡ ስደተኛታት ን750 ሰባት ዑቕባ ክትህብ'ያ - Radio Erena

Radio Erena: 31 May 2020 ፈረንሳ ኣብ ግሪኽ ካብ ዝርከቡ ስደተኛታት ን750 ሰባት ዑቕባ ክትህብ ምዃና ኣፍሊጣ። ቤት ጽሕፈት ሚኒስተር ጉዳይ ስደተኛታት ግሪኽ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፣ ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ ፈረንሳን ግሪኽን ድሕሪ ዘካየዱዎ ዝርርብ፣ ፈረንሳ ኣብ ግሪኽ ዝጸንሑ ስደተኛታት ዝተፈላለያ ሃገራት ከተጣይስ ከምዝወሰነት ኣፍሊጡ። 350 ካብቶም ስደተኛታት፣ ኣላዪ ዘይብሎም ትሕቲ ዕድመ ህጻናት እዮም። እቲ መግለጺ […]
erena.org
3d

ኮሚሽን ጸረብልሽውና ኢትዮጵያ፣ ላዕለዎት ሰበስልጣን’ታ ሃገር፣ ንዝተዋህቦም ናይ ግዜ ገደብ ከኽብሩ ጻውዒት ኣቕሪቡ - Radio Erena

Radio Erena: 31 May 2020 ኮሚሽን ስነምግባርን ጸረብልሽውናን ኢትዮጵያ፣ ላዕለዎት ሰበስልጣን’ታ ሃገር፣ ንብረቶም ከመዝግቡ ንዝተዋህቦም ናይ ግዜ ገደብ ከኽብሩ ጻውዒት ኣቕሪቡ። ብመሰረት መግለጺ’ቲ ኮሚሽን፣ ካብ ቀዳማይ ሚኒስተርን ፕረዚደንትን ጀሚሩ፣ ኩሎም ላዕለዎት ሰበስልጣን መንግስቲ ዘለዎም መጠን ሃብቲን፣ ንሳቶም ኮነ ቤተሰቦም ዝውንንዎ ንብረትን ብወግዒ ዘመዝግቡ ግዜ፣ ክሳብ 7 ሓምለ ጥራይ ክጸንሕ’ዩ። ነቲ ብ ቁጽሪ 668/2010 ዝፍለጥ ኩሎም […]
erena.org
3d

ባይቶ ጸጥታ ኣብ ልዕሊ ደቡብ ሱዳን ኣጽኒዕዎ ዝጸንሐ ማዕቀብ ንተወሳኺ ሓደ ዓመት ኣናዊሑ - Radio Erena

Radio Erena: 31 May 2020 ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ልዕሊ ደቡብ ሱዳን ኣጽኒዕዎ ዝጸንሐ ማዕቀብ ንተወሳኺ ሓደ ዓመት ከምዘናወሖ ተገሊጹ። ባይቶ ጸጥታ ብዓርቢ 29 ግንቦት ኣብ ዝገበሮ ኣኼባ፣ ኣብ ልዕሊ ደቡብ ሱዳን ጸኒዑ ዝጸንሐ ናይ ኣጽዋር ማዕቀብ ንተወሳኺ ሓደ ዓመት ከናውሖ እንከሎ፣ ኣብ ልዕሊ ዝተወሰኑ ሰበስልጣን መንግስቲ ዝተነብረ ንብረቶም ናይ ምድስካል ማዕቀብ ኣብ […]
erena.org
3d

ኣየርላንድ፣ ንኤርትራውያን ቆልዑ ንምሕጋዝ ዝውዕል ኣስታት 1 ሚልዮን ኤውሮ ለጊሳ - Radio Erena

Radio Erena: 29 May 2020 መንግስቲ ኣየረላንድ፣ ኤርትራውያን ቆልዑ ንምሕጋዝ ዝውዕል ኣስታት 1 ሚልዮን ኤውሮ ከምዝለገሰ ማዕከን ቆልዑ ሕቡራት ሃገራት (UNICEF) ኣፍሊጡ። እቲ ሓገዝ፣ ትሕቲ ሓሙሽተ ዓመት ንዝዕድሚኦም ኣስታት 80 ሽሕ ኤርትራውያን ቆልዑ፣ መኣዛዊ መግቢ፣ ክታበትን መሰረታዊ መድሃኒታትን ንምቕራብ ክውዕል’ዩ። ብዘይካ’ዚ’ውን ኣብ ክታበት ቆልዑ ንዝዋፈሩ ሰብ ሞያ ሕክምና ዝርከብዎም 250 ሰባት ሳላ’ዚ ሓገዝ ስልጠና ክወሃቦም […]
erena.org
5d

ሱዳን፣ ብሰራዊት ዝተደገፉ ሚሊሻ ኢትዮጵያ ኣብ ዶባት መጥቃዕቲ ከምዝፈጸሙ ከሲሳ - Radio Erena

Radio Erena: 29 May 2020 ብሰራዊት ዝተደገፉ ሚሊሻ ኢትዮጵያ ኣብ ዶባት ሱዳን መጥቃዕቲ ከምዝፈጸሙ ሚኒስትሪ ምክልኻል ሱዳን ከሲሱ። ኣፈኛ ሰራዊት ሱዳን ብርጋድየር ዓምር መሓደም ኣል ሓሰን ኣብ ዝሃቦ ወግዓዊ መግለጺ፣ ብሓሙስ 28 ግንቦት፣ ካብ ሩባ ኣጥባራ ማይ ክጓርቱ ንዝመጹ ሚሊሻ፣ ሰራዊት ሱዳን ክኽልክሎም ኣብ ዝፈተነሉ’ እዋን’ዩ ኣቲ ግጭት ተጓሃሂሩ። ኣብቲ ግጭት ፈለማ ሓደ ሚሊሻ ኢትዮጵያ […]
erena.org
5d

ጠቕላሊ ሓለቃ ሰታፍ ሰራዊት የመን፣ ብሑቲ ካብ ዝተኻየደ መጥቃዕቲ ንስክላ ካብ ሞት ድሒኑ፣ ወዱን ወዲ ሓዉን ግና ተቐቲሎም - Radio Erena

Radio Erena: 29 May 2020 ሑቲ፣ ንጠቕላሊ ሓለቓ ስታፍ ሰራዊት የመን ልዩተናንት ጀነራል ሳጊር ቢን ዓዚን ንምቕታል ኣብ ዘካየዶ ስርሒት፣ ብውሕዱ ሸሞንተ ሰባት ተቐቲሎም። በቲ ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ፣ ዞባ ማሪብ፣ ኣብ ዝርከብ ወትሃደራዊ መዓስከር ዝተኻየደ ደብዳብ፣ እቲ ጀነራል ካብ ሞት ንስክላ ክድሕን እንከሎ፣ ናይ ወትሃደራዊ መኮነን ማዕረግ ዘለዎም ወዱን ወዲ ሓውን ግና ከምዝተቐትሉ መንግስታዊ ምንጭታት […]
erena.org
5d

ሱዳን፣ ኣብ ማእሰርቲ ዝርከቡ ሰበ ስልጣን ስርዓት በሺር ብኮረና ቫይረስ ተጠቒዖም - Radio Erena

Radio Erena: 29 May 2020 ድሕሪ ምውዳቕ ስርዓት በሺር ኣብ ሚያዝያ 2019፣ ናብ ማእስርቲ ካብ ዝኣተዉ ሓያሎ ላዕለዎት ሰበ ስልጣን ናይቲ ስርዓት፣ ብውሕድ ሰለስተ ብኮረና ቫይረስ ከምዝተጠቕዑ ተገሊጹ። ንሳቶም ድማ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢን ቀዳማይ ምክትል ፕረዚደንትን ነበር ዓሊ ዑስማን ጣሃ፣ ሚኒስተር ሰብኣዊ ጉዳያት ነበር ኣሕመድ ሃሩንን ሚኒስተር ምክልኻልን ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያትን ድሕሩ ድማ ኣማሓዳሪ ዞባ […]
erena.org
5d

الزراعة والاغذية العالمية تحذر من موجة ثانية من اسراب الجراد الصحراوي - Radio Erena

اذاعة ارينا الدولية: الاخبار الخميس 28 مايو 2020 حذرت منظمة الاغذية والزراعة التابعة للأمم المتحدة من موجة ثانية من أسراب الجراد الصحراوي في منتصف شهر يونيو المقبل. وقالت المنظمة في تقرير لها بأن موجة جديدة من اسراب الجراد الصحراوي قد تهاجم كل من الصومال والسودان واثيوبيا وكينيا وسوف تتأثر بها كذلك كل من ارتريا وجيبوتي. […]
erena.org
6d

ን13 ዓመታት ኣብ ሱዳን ተዋፊሩ ዝርከብ ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ሕቡራት ሃገራት፣ ድሕሪ ሓሙሽተ ኣዋርሕ ክወጽእ'ዩ - Radio Erena

Radio Erena: 28 May 2020 ካብ 2007 ኣትሒዙ ኣብ ሱዳን፣ ዞባ ዳርፉር ተዋፊሩ ዝርከብ ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ሕቡራት ሃገራት፣ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ናይዚ ዓመት’ዚ ዕማሙ ከብቅዕ ምዃኑ ተገሊጹ። እዚ ዝተገልጸ፣ ኣብ መንጎ ኣመሪካን ሱዳንን ድሕሪ ዝተኻየደ ዝርርብ ምዃኑ መግለጺ መንግስቲ ሱዳን ኣፍሊጡ። ተሓጋጋዚ ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣብ ጉዳያት ኣፍሪቃ ቲቦር ናዥን ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ […]
erena.org
6d

ፕረዚደንት ርዋንዳ ፓል ካጋመ፣ ንቦኽሪ ወዱ ዝልዓለ ስልጣን መንግስቲ ሂብዎ - Radio Erena

Radio Erena: 28 May 2020 ፕረዚደንት ርዋንዳ ፖል ካጋመ፣ ኢቫን ካጋመ ንዝተባህለ ቦኽሪ ወዱ፣ ኣባል ቦርድ ልምዓት እታ ሃገር ክኸውን ሸይምዎ። እቲ ወዲ 30 ዓመት መንእሰይ፣ ናብዚ ሓደ ካብ ወሰንቲ ረቛሒታት ምዕባለ እታ ሃገር ዝኾነ ጽፍሒ ዝተረቁሐ፣ ካቢነ ሚኒስተራት እታ ሃገር ብ18 ግንቦት ድሕሪ ዘካየዶ ኣኼባ’ዩ። ትሽዓተ ኣባላት ዘለዎ፣ ኣብ 2008 ዝቖመ ቦርድ ምዕባለ ርዋንዳ፣ […]
erena.org
6d