ዜና ድምጺ ኣመሪካ VOA (ትግርኛ)

ንከተማ አዲስ አበባ ምስ ወደብ ጅቡቲ ዘራኽብ መስመር ምዕጻው ፕረ.ክልል ሶማሌ ገሊጾም

ፕረዚደንት ክልል ሶማሌ ሙስጣፋ ሙሓመድ ዖማር ወደብ ኣልባ ናይ ዝኾነት ኢትዮጵያ ዋና ከተማ ኣዲስ ኣበባ ምስ ወደብ ጅቡቲ ዘራኽባ ወሳኒ ጎደናን መንገዲ ባቡርን ተዓፅዩ ክብሉ ገሊፆም። ኣስታት 110 ሚሊዮን ህዝቢ ናብ ዘለዋ ኢትዮጵያ ዝበዝሕ ኣቑሑት በዚ መስመር ዝኣትው ምዃኑ ይፍለጥ እዩ። ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ብዛዕባ እቲ ዝተባህለ ምዕፃው ኣይረጋገፀን። ርእይቶ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትርን ሰበስልጣን ጅቡቲ'ውን ኣይተረኽበን:: ናይ ሶማሌ ክልል ፕረዚደንት ሙስጣፋ ሙሓመድ ዖማር ነቲ መንገዲ ዝዓፀውዎ ዝሓለፈ ቀዳም ንዝተፈፀመ መጥቓዕቲ ዝተቓወሙ ናይቲ ከባቢ መናእሰይ እዮም ኢሎም ኣለው። ንሶም ወሲኾም ሚሊሽያታት ክልል ዓፋር ትማሊ ሰሉስ ንሓንቲ ከተማ ኣጥቂዖምን ዘሪፎምን ኢሎም ኣለው። ሙስጣፋ ሙሓመድ ዖማር ንሮይተርስ ብዝለኣኹዎ ናይ ጽሑፍ መልእኽቲ "መስመር ባቡርን ወሳኒ ጎደናን ኣዲስ ኣበባ-ጅቡቲ ንምኽፋት ንሰርሕ ኣለና’’ ኢሎም ኣለው።ንሶም ቀጺሎም "ምስ መናእሰይ ንላዘብ ኣለና’’ኢሎም ።
tigrigna.voanews.com13h

ነበርቲ ባህርዳር መንግስቲ'ቲ ክልል ንዝጸውዖ ናይ ክተት መልእኽቲ ምቕባሎምን ድልውነቶምን ምግላጾም ተሓቢሩ

ክልላዊ መንግስቲ ኣምሓራ ንዝጸውዖ ናይ ክተት መጸዋዕታ ምቕባሎምን ናብ ግንባር ብምዝማት ድልዋት ምዃኖምን ነበርቲ ባህርዳር ገሊጾም። ሎሚ ኣብ ባህርዳር ብ10 ሺሕ ዝቑጸር ህዝቢ ነቲ ዘመቻ ንምድጋፍ ኣብ ዝወጻሉ እዋን፡ ምኽትል ከንቲባ ባህርዳር ዶ/ር ድረስ ሳህሉ “ሓይልታት ወጻኢ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ብኣሸባርነት ንዝተመደበ ህወሓት ምድጋፍ ደው የብሉ” ክብል ኣብቲ ሰላማዊ ሰልፊ ንዝወጸ ህዝቢ መደረ ኣስሚዑ`ሎ። ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ኣምሓራ፡ ናይ ህልውና ሓደጋ ገጢሙኒ`ሎ ኢሉ ድሕሪ ምእዋጁ፡ ነበርቲ ዝተፈላለያ ከተማታት ክልል ኣምሓራ ኣብ ነቲ ሓደጋ ንምምካት ብዝብል ናብ ኣደባባይ ውጺኡ ድጋፉ ዝገልጽ ህዝቢ እናወሰኸ መጺኡ`ሎ። ካብ ዝሓለፈ መወዳእታ ሰሙን ጀሚሩ፡ ኣብ እንጅባራ፡ ጎንደር፡ ደብረማርቆስ፡ ደብረብርሃንን ካልኦት ከተማታትን ናይ ድጋፍ ሰልፍታታት ቀጺሎም ኣለዉ ኣብቲ ሎሚ ኣብ ባህርዳር ዝተገብረ ሰልፊ ካብ ዝተሳተፉ ሓደ ኣቶ ኣበበ እንዲያውቁ፡ ንድምጺ ኣመሪካ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ፡ ብክልላዊ መንግስቲ ንዝተጸውዐ ናይ ክተት ጻውዒት ምቕባለይ ንምርግጋጽ`የ ሰልፊ ወጺአ ይብል:: ወ/ሮ ጎንደሪት ኣያሌው ዝተባህለት ብወገና፡ ንመንግስቲ ዘለኒ ድጋፍ ንምርግጋጽ`የ ሎሚ ናብዚ ሰልፊ መጺአ ዘለኹ ትብል :: ኣብቲ ሰልፊ መደረ ዘስምዐ ምኽትል ከንቲባ ዶ/ር ድረስ ሳህሉ፡ ሓይልታት ወጻኢ ንሽብርተና ጉጅለ ህወሓት ምድጋፍ የቋርጹ ክብል ሓቲቲ`ሎ:: ወኪል ቤት ምኽሪ ተወዳደርቲ ፓርትታት ኣቶ ይደግ ማሩ ብወገኑ ክገልጽ ከሎ፡ ቤት ምኽርና ንህወሓት ንምምካት ኣብ ጎኒ መንግስቲ ምዃኑ ነፍልጥ ኢሉ:: ብተመሳሳሊ ዝሓለፈ ሰሙን`ውን ኣብ ከተማ ጎንደር ኣብ ዝተኻየደ ሰልፊ ፡ ነበርቲ ፡ ሓይልታት ወጻኢ ካብ ኢትዮጵያ ኢዶም የልዕሉ ዝብል ሕቶ ኣቕሪቦም ኔሮም። ኣብ መወዳእታ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ደብረማርቆስ`ውን ተመሳሳሊ ሰልፊ ተኻይዱ ኔሩ። “ካብ እንግድዓ ቆልዑ ብረት የልግስ” ዝብሉን ካልኦት ጭርሖታትን`ውን ክቃልሑ ተሰሚዖም ኔሮም። ወሃቢ ቃል ህወሓት ጌታቸው ረዳ ብወገኑ ኣብ ዝለኣኾ ናይ ትዊተር መልእኽቲ፡ ንሓረስቶት ናብ ዝመጽሉ ምምላስና ክንቅጽል ኢና: ጽልእና ምስ ጭቁናት ህዝብታት ኣምሓራን ዓፋርን ምስ ሚልሽኦምን ኣይኮነን፡ ጽልእና ንኣደታት ትግራይን ሕጻናትን እንተዘይወዲኦም ድቃስ ምስ ዘይወስዶም በዓል ኣቢይን ደመቀን`ዩ፡ እዚኣቶም ንህዝብና ስግኣት ኮይኖም ክሳብ ዝቐጸሉ፡ ስጉምትና ብረት ኣብ ዘልዓልሉ ቦታታት ኩሉ ክቕጽል`ዩ ኢሉ። ብዝተሓሓዘ ካልእ ዜና ዕጡቓት ዝሓለፈ ቀዳም ኣብ ልዕሊ ተወለድቲ ሶማሌ ፈፂሞምዎ ዝተባህለ ቅትለትን ምዕናው ንብረትን ዝኹንን ሰልፍታት ኣብ ከተማታት ድሬዳዋን ካልኦት ከተማታትን ክልል ሶማሌ ተኻይዱ። እቶም ሰልፈኛታት ፈፀምቱ ናብ ሕጊ ክቐርቡ ሓቲቶም። ነቲ ተግባር ፈፂሙዎ ዝብሃል ኢጉጉማ ማለት ናይ ዓፋር ግንባር ዴሞክራሲያዊ ጥምረት ዝተብሃለ ዕጡቕ ለውጢ ስዒቡ ዕጥቑ ምውራዱ ክልል ዓፋር ይገልፅ። ክልል ዓፋር ንዝቐረቡ ክስታት ኣይተቐበሎን። ዝተዓፀው መስመር ባቡርን መንገዲን ኢትዮ ጅቡቲ ክሳብ ዱሬ ዝተባህለ ጣቢያ ብኽፋል ተኸፊቱ ምኽፋቱ ውን ተገሊጹ'ሎ:: ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል::
tigrigna.voanews.com14h

ኣብ ዝመጽእ መዓልታት ኣስታት 5 ሽሕ ኢትዮጵያዊያን ናብ ሱዳን ክስደዱ ይኽእሉ'ዮም ተባሂሉ

ኣብ ዝቕፅሉ መዓልታት ኣስታት 5,000 ኢትዮጵያዊያን ስደተኛታት ናብ ሱዳን ክሰግሩ ትፅቢት ከምዝግበር ሓደ በዓል ስልጣን ሱዳን ሎሚ ረቡዕ ንኤኤፍፒ ገሊፆም። ንሶም እቶም ዝስደዱ ካብ ግጭት ክልላት ትግራይን ኣምሓራን ዝሃድሙ እዮም ኢሎም። ኣብ መጀመሪያ እዚ ሰሙን 3,000 ኢትዮጵያዊያን ናብ ጎረቤት ሱዳን ሃዲሞም ኣለው።ብዝሒ ስደተኛታት ድማ ልዕሊ 60,000 ኮይኑ ኣሎ። እቶም በዓል ስልጣን ከሰላ ንኤኤፍፒ ኣብ ዝሃቡዎ ቃል "ውግእ ተባኢሱ ኣብ ዝቐፀለሉ እዋን ኣብ ዝቕፅሉ 48 ስዓታት ኣስታት 5,000 ሓተቲ ዑቑባ ሱዳን ክኣትው ትፅቢት ንገርብ’’ ኢሎም ። ዝሓለፈ ዓርቢ ፕሮግራም መግቢ ዓለም ሕፅረት መግብን ቀረብን ጉድኣት የውርድ ኣብ ዘለሉ ኣብ ክልል ትግራይ ብዛዕባ ዘሎ ሰብኣዊ ኩነታት "ኣዚዩ ዘሻቕል እዩ’’ ምባሉ ይዝከር። ፕሮግራም መግቢ ዓለም ንኣርባዕተ ሚሊዮን ሰባት ህፁፅ ረድኤት ንምቕራብ ናብ ክልል ትግራይ ዘይተደረተ ተበፃሕነት ክህልው ፀዊዑ ኣሎ።
tigrigna.voanews.com14h

ውድብ ጥዕና ዓለም፤ ኣብ ትግራይ ብሚልዮናት ዝቑጸር ህዝቢ ብዘይ ቀረብ መሰረታዊ ጥዕና ምህላዉ ገሊጹ

ብሰንኪ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ኲናት፡ ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ዜጋታት ብስእነት መሰረታዊ ቀረባት ጥዕና ንሕማማት ቅሉዓት ምህላዎም ውድብ ጥዕና ዓለም ሓቢሩ። እቲ ውድብ፡ ናብ ኣዝዩ ውሱን ቍጽሪ ህዝቢ ጥራይ ሕክምናዊ ሓገዝ ከባጽሕ ከም ዝኸኣለ ኣፍሊጡ ኣሎ። ውድብ ጥዕና ዓለም ከም ዘመልክቶ፡ መሓዉራት ጥዕና ዓንዩ፡ መሰረታዊ ቀረባት ከም ኤለክትሪክ ብዘይ ምህላዉ ነቲ ስራሕ መሊሱ ከም ዘብኣሶ ይሕብር። ብመሰረት ጸብጻብ ውድብ ጥዕና ዓለም፡ 3.8 ሚልዮን ዜጋታት ኣብ ትግራይ፡ መሰረታዊ ቀረባት ጥዕና ዝጽበዩ’ዮም። እቲ ትካል፡ ናብ 2.3 ሚልዮን ዝበጽሕ ሕክምናዊ ሓገዝ ክገብር ድሉው ደኣ ይንበር እምበር፡ ካብ ፈለማ ወርሒ ግንቦት ኣትሒዙ ግን ንከባቢ 87-ሽሕ ጥራይ’ዩ ክሕግዝ ክኢሉ ዘሎ። ወሃቢት ቃል ትካል ውድብ ጥዕና ዓለም ዝዀና ፋደላ ቻይብ ከም ዝሓበረኦ፡ ዋሕዲ ነዳዲ፡ ስእነት ጸጥታን ገንዘብን ነቲ ናይ ህይወት-ኣድሕን ስራሓቶም ኣሰናኺሉዎ ኣሎ። “እቲ ዝያዳ ስክፍታ ዝፈጥር ድማ እቲ ወቕቲ ንለበዳ ሸሮኽን ምስኡ ዝተኣሳሰሩ ሕማማትን ምቹእ ግዜ ምዃኑን’ዩ። ንምክልኻል ሕማማት ንፍዮን ዓሶን ዝነጥፋ ዝነበራ ትካላት ጥዕና፡ ብሰንኪ’ዚ ኲናት ስራሓተን ክቕጽላ ኣይከኣላን። እዚ፡ ነቶም ብሰንኪ’ቲ ኲናት ኣካላዊ ማህረምቲ ዝወርዶም ዜጋታት ንምሕካም ዝግበር ስራሓት ከይጸብጻብና’ዩ። ክንክን ቅድመ-ሕርሲ ዘድልየን ኣደታት፡ ዓጸቦ ዝወረዶም ህጻናት፡ ክታበት ዝጽበዩ ቈልዑ... ኵላቶም እዚኣቶም መሰረታውያን ግን ህጹጻት ጠልባት’ዮም።” ቅድሚ ክልተ ኣዋርሕ ዝጀመረ፡ ቀዳመይ እብረ ናይቲ ብኣፍ ንዝውሰድ ክታበት ሸሮኽ፡ ካብቲ ዝተተለሞ 4 ሚልዮን፡ ንፍርቂ ጥራይ’ዩ ተባጺሑ። እቲ ካልኣይ ዙር ክታበት ኣዝዩ ወሳኒ ብምዃኑ፡ ተመሳሳሊ ውሕስነት ከም ዘድሊ እተን ኣፈኛ የመልክታ። ውድብ ጥዕና ዓለም ስራሓቱ ብምዕማም እኹል ቀረብ ክታበትን ንዕኡ ዘድሊ መዝሓሊን የድልዮ። ብሰንኪ ኣብ ክልል ትግራይ ዘሎ ምቍራጽ ኤለትሪክ ግን እዚ ስራሕ ኣመና ከም ዘጸግም እቲ ውድብ ይገልጽ። ንሱ ጥራይ ዘይኰነስ ንሰራሕተኛታት ጥዕና ብዘጓንፎም ዘሎ ምፍርራሓት’ውን እቲ ውድብ ከምቲ ዝደልዮ ሓገዝ ክገብር ከም ዘይከኣለ ኣፍሊጡ። ኣብ ክልል ትግራይ ዝርአ ዘሎ ሰፊሕ ጉድለት ማእዛታት መግቢ፡ ካብቲ ሻቕሎት ፈጢሩ ዘሎ’ዩ። ኣብ ፈለማ ክልተ ሰሙናት ናይዚ ሒዝናዮ ዘሎና ወርሒ፡ 458 ህጻናት ብስእነት ማእዛታት ዘለዎ መግቢ ተጠቒዖም ኣብ ሕክምና ምዕቋቦም እተን ወሃቢት ቃል ፋደል ቻይብ የመልክታ። “ህጻናት ብጉድለት ማእዛታት መግቢ ክሳቐዩ እንከለዉ፡ ንኸም በዓል ዓሶን ንፍዮን ዝኣመሰሉ ሕማማት ብቐሊሉ’ዮም ዝጥቅዑ። ስለዚ ከኣ እዚ ንህጻናት ናይ ሞት ፍርዲ ምዃኑ’ዩ። ቅድሚ ሕጂ ነዚ ዝከናኸና 92 ማእከላት ጥዕና ነይረናና፣ ሕጂ ግን 23 ካብኣተን ጥራይ’የን ዝሰርሓ ዘለዋ። ምስዚ ዘሎ ሽግራት ሕጂ 200 ማእከላት ጥዕና የድልያ።” ቅድሚ ትሽዓት ኣዋርሕ፡ ፈደራልዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ንክልል ትግራይ ንምቍጽጻር መጥቃዕቲ ጀሚሩ። መንግስቲ በይንኣዊ ናይ ምቍራጽ ተጻብኦታት ስጉምቲ ኣብ ዝኣወጀሉ ድማ ሓይልታት ትግራይ ንርእሰ-ከተማ መቐለ ተቖጻጺሮማ። ኣብ ከምዚ ዝመስል ዘይርጉእ ኵነት፡ ስራሓቱ ክቕጽል ከም ዘጸግሞ ውድብ ጥዕና ዓለም ይሕብር። ትካላት ጥዕና ዓንዮም፡ መሳርሒታት ተዘሚቱ፡ ስእነት መሰረታዊ ቀረባት ኣብ ዘለወሉ እቲ ሽግር ከም ዝዛይድ ከኣ መግለጺ’ቲ ውድብ ይውስኽ። እቶም ደሞዞም ዘይክፈሉን ተደጋጋሚ መጥቃዕቲ ዝወርዶም ሰራሕተኛታት ጥዕና’ውን ኣብ ምዱብ ስራሖም ስለ ዘየለዉ ተወሳኺ ሽግር’ዩ ኰይኑ ከምዘሎ ተሓቢሩ'ሎ።
tigrigna.voanews.com15h

ኬንያ: ኣልሸባብ ነቶም ኣብ ዝተሓተ መነባብሮ ዘለዉ መንእስያት የቋምት፡ ማሕበረኮማት ማዕረኡ ይሰርሑ

ግብረሽበራዊ ዕጡቕ ጉጅለ ኣልሸባብ፡ ሓደስት ኣባላት ክኸትብ ኣብ ዝገብሮ ዘሎ ወፍሪ፡ ኣዒንቱ ኣውዲቕሎም ዘሎ፡ ነቶም ብሰንኪ ለበዳ ቫይረስ ኮሮና ዝተሃስዩ ወገናት’ዩ። ብመሰረት ክኢላታት እቲ ዓውዲን ብቐረባ ዝምልከቶም ትካላትን ድማ፡ እቶም ግዳያት’ቲ ጉጅለ ክዀኑ ዝተጠርጠሩ መንእሰያት ንምእላይ ናይ ስልጠና መደባት ሰሪዑ ይነጥፍ ኣሎ። ኣብ ኬንያ ዘሎ ቅድድም እቲ ጕጅለን ኣውሓስቲ ጸጥታን ናብቶም ዝተሓተ መነባብሮ ዘለዎም መንእሰያት’ዩ። ወዲ 27 ዓመት ዓብዱላህ፡ ኣብ መፋርቕ 2019፡ ትስፉዎ ናይ ስራሕ ዕድል ድሕሪ ምርካቡ፡ ሕልሙ ክፍጸም ቀሪቡ ነይሩ። ናብቲ ተስፋ ዝተገብሮ ዕድል ምስ ከደ፡ ስራሕ ዘይኰነስ፡ ክጨውዩዎ ዝመጹ ኣባላት ኣልሸባብ’ዮም ጸኒሖሞ። ከምቲ ኣብ ቴለቪዥን ዝርእዮም ዝነበረ ጽቡቕ ክዳን ዝተኸድኑን ብዓረብ ስሞም ዝተጻሕፈ ዘለዎን ሰባት ከም ዝቐረቡዎ ድማ ይሕብር ። ካብኡ ተጨውዩ ዝተስደ ዓብዱላህ ብኣዝዩ ጽኑዕ ኣተርጓጕማ እምነት እስልምና ድሕሪ ዝቐሰሞ ትምህርቲ፡ ብኣፈ-ሙዝ ብረት ተስገዲዱ መጥቃዕቲ ከመይ ከም ዝፍጽም ተዓሊሙ። “ብረት እታ ቀንዲን እምንቲን ዓርክኻ ምዃና ኢኻ እትመሃር። እቲ ትምህርቲ ከመይ ጌርካ ቦምባ ከም እትፍጅር ዘጠቓልል’ዩ። እቶም ዝሓሸ ትምህርቲ ዘለዎም ከኣ ምቅማም ከሚካላት ይመሃሩ፡” ዓብዱላህ ንኣስታት ሓደ ዓመት ምስቲ ጉጅለ ክጸንሕ ከም ዝተገደደ ይሕብር። ፖሊስ ኬንያ ነቲ ብጉጅለ ኣልሸባብ ንዓንዲ መራኸቢታት ተንቀሳቐሲ ቴለፎን ከዕኑ ኣብ ዝፈተነሉ ዘፍሸሎ ስርሒት ግን ዓብዱላህ ከምልጥ ዕድል ገይሩ። ካብኡ ሃዲሙ ናብ ሞምቦሳ ተመሊሱ። ብመሰረት ሓበሬታ ዳይረክተር ትካል መጽናዕቲን ስትራተጂን ቀርኒ-ኣፍሪቃ፡ ሓሰን ካነንጀ፡ ካብ ናይሮቢ፡ ኣልሸባብ ብቐንዱ ናብቲ ትሑት መነባብሮ ዘለዎም ነባሮ ሞምቦሳ ዓሊሙ ከም ዝሰርሕ ይሕብር። ሕጂ ምስ ምግዳድ ለበዳ ኮሮና ዝፈጠሮ ቍጠባ ድማ ስራሓቶም ብዝለዓለ ይቕጽሉዎ ከም ዘለዉ ይፍለጥ። “ምስ ለበዳ ኮሮና፡ እቲ ጉጅለ ሓደስቲ ኣባላት ዝቖጸረሉ ምቹእ ባይታ’ዩ። ብሰንኪ’ቲ ለበዳ ኣጓኒፉ ንዘሎ ዘይምዕሩይነት ድማ፡ ‘መንግስታት ኣብ ልዕሊ ተኸተልቲ እምነት እስልምና ዝገብሩዎ ዘለዎ ኣድሉዎ’ ኢሎም ከመኽንዩ ዕድላት ኣለዎም።” ምምሕዳር ሞምቦሳ ኣብቶም ዒላማ ክዀኑ ይኽእሉ’ዮም ዝበሎም መንእሰያት ኣተኲሩ ይሰርሕ ኣሎ። ነቶም ብፈኰስቲ ገበናት ከም ምልዓል ዝኣመሰሉ ጉድለታት ተኸሲሶም ዝጸንሑ መንእሰያት ንጉጅለ ኣልሸባብ ከይጽንበሩ ይዓዪ ኣሎ። “ኒያሊ” ዝተሰየመ ንሰላም ዝሰርሕ ኮሚተ፡ ነዚ ስራሕ ኣብ ምቅላል ዝነጥፍ ትካል’ዩ። ዳይረክተር’ዚ ትካል ሸምሳ ፋድሂሊ ነቶም መንእሰያት ብጽቡቕ ስነ-ምግባር መታን ክዅስኰሱ ትምህርታዊ መደባት ከም ዝሰርዑ ትሕብር። ሃገራዊ ሓላፍነት ተሰኪሞም ኣምባሳድራት ሰላም ክዀኑ ድማ ተስፋ ይንበረሎም። ዓብዱላህ ሓደ ካብቶም ምሕረት ተገይሩሎም ናብ ሰላማዊ ህይወቶም ክምለሱ ዝተገብሩ ኣስታት 300 መንእሰያት’ዩ። ናብ ሕብረተሰብ ብሰላም ተመሊሶም ኣፍረይቲ ዜጋታት ንክዀኑ ድማ ዘድሊ ምኽሪን ስልጠናን ይወሃቦም። ገለ ካብኡ ሞያዊ ስልጠና’ዩ። ድሕሪኡ ካልእ ሓድሽ መንነት ስለ ዝሕዙ፡ ናብ ሕብረተሰብ ብሰላም ይጽንበሩ። “ናብ ሕብረተሰብ ተመሊሰ ሰላማዊ ናብራ ክመርሕ ሓገዝ ክግበረለይ ምዃኑ ተነጊረ። ኣነ ከኣ ከምኡ’ዩ ዝደሊ ዘለኹ። ክምርዖን ናብራ ክጅምርን እደሊ ኣለኹ፡” ክብል ድማ ዓብዱላህ ንወኪል ድምጺ ኣመሪካ ይሕብር። ኬንያ ንኻልእ ገጽ ለበዳ ኮቪድ-19 ተዳለወሉ ኣብ ዘላ እዋን፡ ማሕበረኮማት ድማ ነቶም ዝያዳ ግዳይ ክዀኑ ዝኽእሉ መንእሰያት ከድሕኑ ኣብ ስራሕ ኣለዉ።
tigrigna.voanews.com16h

ንሓድሽ ዋሕዚ ስደተኛታት ዘይተዳለወት ኤውሮጳ

ካብ ለበዳ ቫይረስ-ኮሮና ዝፈጠሮ ምምዝብዓት ገና ዘይደልደለት ኤውሮጳ፡ ብሓድሽ ማዕበል ዋሕዚ ስደተኛታት ትጽመድ ኣላ። ኤውሮጳዊ ሕብረት ኰነ እንግሊዝ ግን ነቲ ዝመጽእ ዘሎ ዋሕዚ ዝበቅዕ ማዕረ ምድልዋት ኣይገበራን፣ ንጹር ፖሊሲ ዝሓንጸጻ’ውን ኣይመስላን። እዚ ዝያዳ ዝጐልሐ፡ ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት (IOM)፡ ብሰኑይ ድሕሪ ዘውጽኦ ሓበሬታ’ዩ። ካብ ትሩቡሊ 120 ኪሎ-ሜተር ኣብ ዝረሓቐ ባሕሪ ሊብያ፡ ስደተኛታት ዝጸዓነት ጃልባ ብምጥሓላ፡ ልዕሊ 50 ሰባት ሞይቶም ኣለዉ። ሓላፊ ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ጨንፈር ሊብያ፡ ፈደሪኮ ሶዳ፡ ብትዊተር ኣብ ዝፈነዎ መልእኽቲ፡ ኣብዚ ዝደሓረ ሓደጋ ብውሑዱ 57 ሰባት ሞይቶም። “ስቕታን ውሳነ ዘይምውሳድን ይቕረ ዝብሃሎ ኣይኰነን፡” ብምባል ከኣ ምረቱ ይገልጽ ። ካብቲ ሓደጋ ዝደሓኑ ተጓዓዝቲ ንትካል ስደተኛታት ብዝሃቡዎ ሓበሬታ መሰረት፡ 20 ደቀንስትዮን ክልተ ቈልዑን ኣብቲ ሓደጋ ሞይቶም። ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት፡ ንሃገራት ኤውሮጳ፡ ናይ ገዛእ-ርእሰን ኣሃዱታት ድሕነትን ኮለላን ባሕሪ ክገብራ ደጋጊሙ ክምሕጸን ጸኒሑ። ነቲ ትካል ዝያዳ ዘሻቕሎን ክተርፍ ዝምሕጸኖ ዘሎን ከኣ መንግስታት ኤውሮጳ ምስ ሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ዝገብሮ ዘሎ ምትሕብባር ከቋርጾ’ዩ። ብሕልፊ ካብ ትሕተ-ሳህራ ኣፍሪቃ ብመገዲ ሊብያ፡ ንኤውሮጳ ክኣትዉ ዝፍትኑ ስደተኛታት፡ ብሰንኪ ክልከላ ሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ይዕገቱን ግደይ ግፍዕታት ይዀኑን ኣለዉ። ክሳብ መፋርቕ ናይዚ ሒዝናዮ ዘለና ዓመት ጥራይ፡ 13-ሽሕ ስደተኛታት ብሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ተጠሊፎም፡ ተመሊሶም ኣለዉ። ብመሰረት ጸብጻብ ላዕለዋይ ኮሚሽን ሕቡራት ሃገራት፡ እዚ ኣሃዝ’ዚ ካብቲ ኣብ 2020 ዝነበረ ናይ ምሉእ ዓመት ቍጽሪ ይዓቢ። ብመገዲ ፈረንሳይ፡ ብንኣሽቱ ጃልባታት ኣቢሎም፡ 8,452 ስደተኛታት ኣብዚ ዓመት’ዚ ንእንግሊዝ ምእታዎም’ውን ተፈሊጡ ኣሎ። እዚ ካብ ዝሓለፈ ዓመት ዝዛይድ ምዃኑ’ዩ። ብ19 ሓምለ፡ ኣብ ውሽጢ ሓንቲ መዓልቲ ጥራይ፡ 430 ሓተትቲ ዑቕባ ንመትረብ እንግሊዝ ሰጊሮም። እዚ ክሳብ ሕጂ ተመዝጊቡ ዘሎ ዝለዓለ ቍጽሪ’ዩ። በዚ ዝተቘጥዑ ሰበ-ስልጣን ዓዲ-እንግሊዝ፡ ናብታ ሃገር ብዘይ ሕጊ ምእታው ብገበን ዘሕትት ንምግባሩ ይሰርሑ ኣለዉ። ዝዀነ ብዘይ ፍቓድ ናብ እንግሊዝ ዝኣተወ ሰብ ክሳብ ናይ ኣርባዕተ ዓመት ማእሰርቲ ክሕየር ድማ ሕጊ ኣብ ምእማም ኣለዉ። ዕላማ ናይቲ ኣብ ምርቃቕ ዘሎ ሕጊ፡ ነቶም ብመትረብ እንግሊዝ ዝኣትዉ ስደተኛታት ንምግታእ’ዩ። ንኣብ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ንዝነጥፉ፡ እቲ መቕጻዕቲ ዝተረረ’ዩ ክኸውን። ካብቲ ሕጂ ዘለዎ ክሳብ 14 ዓመታት ማእሰርቲ ድማ እቲ ዝበርትዐ መቕጻዕቲ ክሳብ ናይ ሕልፈት ፍርዲ ክበጽሕ ይኽእል’ዩ። ከም ኣገላልጻ ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት እንግሊዝ ፕሪቲ ፓተል ድማ፡ እቲ ዝንደፍ ዘሎ ሕጊ ነቲ “ሸራፍ ሕጊ ሓተትቲ ዑቕባ” ዓዲ-እንግሊዝ፡ ኢላ ዝሰመየቶ፡ ከጽንዖ ትጽቢት ይገብር። መንግስቲ እንግሊዝ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ከም ዘፍለጦ፡ ብመገዲ ጀላቡ ብመትረብ እንግሊዝ ካብ ፈረንሳይ ንዝኣትዉ ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ንምግታእ፡ ንፈረንሳይ 70 ሚልዮን ዶላር ክትከፍላ’ያ። ብመሰረት ሓበሬታ ውሽጣዊ ጉዳያት እንግሊዝ እቲ ክልተኣዊ ስምምዕ፡ ንፈረንሳይ ምክልኻል ኣብ ሓለዋ ባሕሪ ዝያዳ ከድልድላን ተጓዓዝቲ ባሕሪ ንምጥላፍን ምስላይን ዝረቐቐ መሳርሒ ክትዓጥቕን ከኽእላ’ዩ። ለበዳ ቫይረስ ኮሮናን ምቍራጽ መጓዓዚታትን ብዝፈጠሮ ዘይምቹእነት፡ ቍጽሪ ሓተቲ ዑቕባ ዓዲ-እንግሊዝ ካብቲ ኣብ 2015 ዝነበረ ናይ 45-ሽሕ፡ ዝሓለፈ ዓመት ናብ 35-ሽሕ ወሪዱ’ዩ። ካልኦት ሃገራት ኤውሮጳ’ውን ብሰንኪ ለበዳ ቫይረስ ኮሮና፡ እቲ ኣሃዝ ሓተትቲ ዑቕባ ኣመና ጎዲሉ’ዩ። ንኣብነት፡ ቍጽሪ ሓተቲ ዑቕባ ኢጣልያ ዓመተ 2020፡ ብ30% ምጕዳሉ ተፈሊጡ ኣሎ። ድሕሪ ውሸባ ዝሰዓበ ግንፋለ ዶባት ዝኽፈትሉ፡ መጓዓዝያ ናብ ንቡር ኣብ ዝምለሱሉን ብመንግስታት ተስገዲዶም ዝጸንሑ ድራተ ምንቕስቓሳት ኣብ ዝዘልቅሉን እዋን ግን፡ መንግስታት ኤውሮጳ ብሓድሽ ማዕበል ስደተኛታት ክጕብኣ’የን። ብሕልፊ እኳ ኣብ ልዕሊ ዜጋታት ትሕተ-ሳህራን ማእከላይ ምብራቕን፡ ለበዳ ብዝፈጠሮ ቍጠባዊ ሕሰም፡ ንብዙሓት ዜጋታት ንስደት ከምርሑ ክደፍኦም ምዃኑ ተንተንቲ ይእምቱ። “ኣብ ፈለማ፡ ብብዙሓት ሃገራት ዝተወስደ ናይ ገደብ ምንቅስቓስ ንዋሕዚ ስደት ኣመና ኣጕዲሉዎ ነይሩ፡” ይብል ሚኪኤል ስፒንድለገር፡ ዳይረክተር’ቲ ኣብ ቬና ዝርከብ ኤውሮጳዊ “ማእከል ልምዓትን ምዕባለን ኣህጉራዊ ስደተኛታት” ዝተሰምየ ትካል።እቲ ዕጽዋ ምስ ተላዕለ ግን ናብቲ ቅድሚ ኮቪድ-19 ዝነበረ ተርእዮ ስደት ከም ዝተመልሰ በቲ ማእከል ዝወጸ ጸብጻብ ይሕብር። “ፍሮንቴክስ” ዝተባህለ ትካል ሓለዋ ባሕሪ ኤውሮጳ ብዝዘርግሖ ሓበሬታ መሰረት፡ ኣብ መፋርቕ 2021፡ 61-ሽሕ ዜጋታት ብዘይ ሕጊ ንኤውሮጳ ኣትዮም። እዚ ካብቲ ኣብ 2020 ዝነበረ ጠቕላላ ቍጽሪ ብ59% ዝዓቢ ምዃኑ’ዩ። ጸብጻብ ፍሮንቴክስ እቲ ፍልልይ፡ ብሰንኪ ቀዲሙ ዝነበረ ምድራት ምንቅስቓስ ምዃኑ ዝሓበረ ጸብጻብ’ቲ ትካል፡ ብሕልፊ እኳ ብማእከላይ ባሕሪ--ብወገን ሊብያን ቱኒዝያን--ኣሰጋገርቲ ሰባት ብዝሒ ብምንቅስቃሶም፡ እቲ ቍጽሪ ዛይዱ ይብል ። ሽሕ ደኣ ብዝሒ ስደተኛታት ይዛይድ እምበር፡ ምስቲ ኣብ 2015-2016 ዝተራእየ ቁጽሪ ግን ብተዛማዲ ትሑት ምዃኑ’ዩ። ኣብቲ ዓመት’ቲ ናብ ኤውሮጳ ዝኣተዉ ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ልዕሊ ሓደ ሚልዮን’ዮም ነይሮም። ሃንጋሪን ካልኦት ብጽኑዕ የማናዊ ክንፍታት ዝምርሓ ሃገራት ማእከላይ ኤውሮጳን፡ ብጽሒተን ስለ ዘይወሰዳ ግን እቲ ሸኸም ብቐንዱ ናብ ኢጣልያ፡ ግሪኽን ስጳኛን’ዩ ወሪዱ። ሓበራዊ መፍትሒን ምምቕራሕ ሃገራትን ደጋጊሙ ተፈቲኑስ ኣይሰለጠን። ብሰንኩ ከኣ’ዩ ኤውሮጳዊ ሕብረት ዝያዳ ኣብ ቱርኪ ክምርኰስ ዝተገደደ። ናብ ኤውሮጳ ዝኣትዉ ስደተኛታት ዓጊታ ክትመልስ፡ ንቱርኪ 8 ቢልዮን ዶላር ክኸፍል ኤውሮጳዊ ሕብረት ተሰማሚዑ። ኣብቲ “ድልድል ሰብኣዊ ሓገዝ” ዝሰመዮ ውዕል ድማ፡ ነቲ ውዕል ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ግንቦት ኣሕዲሱዎ ኣሎ። ነዚ መዓላ ዝውዕል 700 ሚልዮን ዶላር ከኣ እቲ ሕብረት ንቱርኪ ሰሊዑ። ሃገራት ኤውሮጳ እምበኣር ነዚ ሕጂ ዝርአ ዘሎ ዋሕዚ ስደተኛታት ዝተዳለዋሉ ኣይመስላን። ገለ ዘይመንግስታውያን ውድባት ብዘውጽአኦ ሓበሬታ መሰረት፡ ብኸምቲ ክስርሓሉ ዝጸንሐ ልምዲ፡ ገለ ስደተኛታት ክምለሱ ይግደዱ ኣለዉ። እቲ ምዕጋት ከኣ ካብቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ዝጸንዐን ንሕስያ ዘይብሉን ምዃኑ እቲ ዝወጽእ ዘሎ ጸብጻባት የመልክት። ብመሰረት ጸብጻብ “ባይቶ ስደተኛታት ደንማርክ” ዝተባህለ ትካል፡ ካብ ጥሪ ክሳብ ሚያዝያ 2021 ጥራይ፡ ኣብ ልዕሊ 2162 ዜጋታት ናይ ምምላስ ተርእዮ ኣጓኒፉ። እዚ ኣሃዝ’ዚ በርጌሳውያን ማሕበራት ኣብ ሽዱሽተ ሃገራት ብዝገበርኦ መጽናዕቲ ዝተርኽበ’ዩ። እተን ሃገራት ኢጣልያ፡ ግሪኽ፡ ሰርቢያ፡ ቦዝኒያ-ሀርዘጎቢና፡ ሰሚን ማቀዶኒያን ሃንጋሪን’የን። ሓደ ሲሶ ካብዞም ናይ ምምላስን ምኽልካልን ተርእዮታት ነቲ መሰረታዊ ውዕላት ከምእኒ ድሕነት ካብ ኣካላዊ ጎንጺ፡ ስርቂ፡ ምዕናው ንብረት፡ ምኽላእ መሰል ሕቶ ዑቕባ ዝጥሕሱ ምንባሮም ተፈሊጡ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል::
tigrigna.voanews.com17h

ቃለ-መጠይቕ ምስ ኣባላት ጋንታ ኤርትራ ተሳተፍቲ ሴካፋ ባህርዳር

ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝርከብአን ኣብ ስፖርት ሴካፋ ዝሳተፋ ዘለዋ ትሸዓተ ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብ ከተማ ባህርዳር ውድድራተን ቀጺለን ኣለዋ። ኤርትራን ኢትዮጵያን ምትራፈን ኣረጋጊጸን ኣለዋ። ብኻልእ ወገን፥ ኣብ ውድድራት ሴካፋ ሃትሪክ ዝሰርሐ ፈላማይ ተጻዋታይ ብምዃን ታሪኽ ዝሰርሐ ኤርትራዊ መንእሰይ ዓሊ ሱሌማን፥ ምስ ጋንታ ባህርዳር ክጻወት ኣፈናዊ ስምምዕ ፈሪሙ'ሎ። ምምሕዳር ክልል ኣምሓራ ድማ ንጉጅለ ስፖርት ኤርትራ ፍሉይ ኣቀባብላን እንግዶትን ከምዝገበረላ'ውን ትማሊ ኣብ ዜናና ተገሊጹ'ዩ። ብዛዕባ'ዚን ካልእን ምስ ክልተ ኣባላት ጉጅለ ኤርትራ ዝተኻየደ ዕላል ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል::
tigrigna.voanews.com2d

ወሃቢ ቃል ሕ/ሃ ኤርትራዊያን ስደኛታት ኣብ ትግራይ ኣብ ሓደጋ ወዲቖም ኣለው ኢሉ

ናይ ሕቡራት መንግስታት ሰበስልጣን ወኪል ስደተኛታትክልል ትግራይ ኣብ ዝርከቡ ክልተ መዕቖቢ ስደተኛታት ተቐርቂሮም ዝርከቡ ኣስታት 24,000 ኤርትራዊያን ስደተኛታትኣብ መንጎ ተዋጋእቲ ጉጅለታት ተበኣኢሱዎ ብዝቐፀለ ውግእ ኣብ ከቢድ ሓደጋ ከምዝርከቡ ገሊፆም። ኣብ ትግራይ ከባቢ ማይፀብሪ ሓይሉ ብዝቐፀለ ውግእ ድሕነት ኣብ መዕቖቢ ስደተኛታት ማይ ዓይንን ዓዲ ሓሩሽን ዝርከቡ ኣሽሓት ኤርትራዊያን ስደተኛታትሻቐሎት እናዓበየ እዩ። ትካላት ረድኤት ካብ 14 ሓምለ 2021 ኣ/ፈ ጀሚሩ ክበፅሑዎ ኣይክኣሉን ይብል ፀብፃብ ወኪል ስደተኛታት ሕቡራት መንግስታት።ካብ ሽዑ ጀሚሩ ኩነታት ናይቶም ስደተኛታት ዘሻቕል እዩ ይብል። ወሃቢ ቃል UNHCR ባባር ባሎች ኣባላት ዕጡቓት ጉጅለታት ናብቶም መዕቖቢ ማእኸላት ሰሪጎም ኣትዮም ይብሉ።ኤርትራዊያን ኣብ ቀፃሊ ስግኣት ይነብሩ፣ምፍርራሕ የጋጥሞም ፣ካብ ሰብኣዊ ረድኤት ድማ ተበቲኾም ኣለው ኢሎም። ‘’ኣብ ቀረባ ማዕልቲ ካብ መዕቖቢ ማእኸል ማይ ዓይኒ ዘሰንብዱን እሙናትን ፀብፃባት ረኺብና ኣለና’’ ዝበሉ ንሶም ’’ኣብ ውሽጢ እቲ መፅለሊ ብዝንቀሳቐሱ ዕጡቓት ባእታታት እንተወሓደ ሓደ ስደተኛት ተቐቲሉ ኣሎ።እዚ ዳሕረዋይ ሞት 14 ሓምለ ካብ ዝተቐተለ ካሊእ ተወሳኺ እዩ’’ኢሎም። ንቶም መቕተልትታት ኣየነዎት ዕጡቓት ጉጅለታት ሓላፍነት ከምዝወስዱ ከምዘይፈልጡ ገሊፆም።ግን ብረት ዝሓዙ ሰባት ኣብ ውሽጢ እተን ክልተ ማእኸላት ከምዝንቀሳቐሱ እሙን ፀብፃብ በፂሑና ኣሎ ኢሎም። UNHCR ንከባቢያዊ ሰበስልጣናትን ናይ ኢትዮጵያ ወኪል ስደተኛታትን ድሕነት ናይቶም ስደተኛታት ከረጋግፁን ትካላት ረድኤት ናብተን ማእኸላት ክበፅሑ ክፈቕዱሎምምሕፅንታ የቕርብ ኢሎም ባሎች። ‘’መወፅኢ ዝሰኣኑ ስደተኛታት ህፁፅ ህይወት ኣድሕን ረድኤት ክረኽቡ ኣለዎም።ፅሩይ ዝስተ ማይ ይፅንቀቕ ኣሎ።ጥምየት ክውን ሓደጋ እዩ።ንኽልቲኦም ናይ መወዳእታ ረድኤት ዝተኸፋፈለ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ሰነ እዩ።ንሓደ ወርሒ ጥራሕ እዩ ተዋሂቡዎም’’ኢሎም። ባሎች ኣብ ቀረባ ብኣንፈት ምብራቕ ትግራይ ኣብ ክልል ዓፋር ኣብ ቀረባ ኣብ ዝተኻየዱ ወታደራዊ ግጭታትንኣሽሓት ስደተኛታት ኣመዛቢሉ ኣሎ ኢሎም።ካብ መንጉኦም ኣስታት 55,000 ኤርትራዊያን ስደተኛታት ይርከቡዎም።ኣብ ጥቓ እቶም ስደተኛታት ዝነብሩሉ ከባቢ ወታደራዊ ረፅሚ ይካየደ ስለዘሎ ንደሕንነቶም ዘሻቕህል እዩ ኢሎም። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል::
tigrigna.voanews.com2d

ግዳያት መጥቃዕቲ ዝተፈላለዩ ሓይልታት ዝዀኑ ዘለዉ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ክልል ትግራይ

ኣብ መዓከራት ስደተኛታት ክልል ትግራይ ዝርከቡ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ኤርትራውያን፡ ብሰንኪ’ቲ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ኲናት፡ ቀንዲ ተጠቃዕቲ ኰይኖም ኣለዉ። መሰኻኽር ዓይኒን ጸብጻባት ሕቡራት ሃገራትን ከም ዘመልክቱዎ፡ መንበሪ መዓስከራት እቶም ስደተኛታት ገሊኡ ተደምሲሱ፡ በቶም ነቲ ከባቢ ዝቈጻጸሩ ተማዕደውቲ ሓይልታት ድማ ግዳይ ቅትለት፡ ዓመጽን ዝምታን ይዀኑ ምህላዎም ተፈሊጡ። ኣብ ክልል ትግራይ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ኲናት፡ ብዅሉ ኣካላት ግዳይ ዝዀኑ ዘለዉን ሓጋዚ ዘይብሎምን እቶም ስደተኛታት ምዃኖም ጸብጻባት ካብቲ ቦታ ይሕብሩ። ኣገልግሎት ዜና ኣሶሸትድ ፕረስ ንኤርትራውያን ስደተኛታት ኲናት ትግራይ ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ ክወርዶም ዝጸንሐ በብይኑ መጥቃዕታት ጸብጺቡ ኣሎ። መዝሓሊ ነድሪ ክልቲኡ ኣንጻር ሓይልታት ምዃኖም ስደተኛታት ይጠርዑ። ንድጋፍ ሰራዊት ፈደራል ዝመጹ ሓይልታት ኤርትራ፡ ንስደተኛታት ኣጐሳቒሎም፡ ጨዊዮም ወሲዶም፡ መዓስከራት’ውን ከም ዘዕነዉ ይሕበር። ብወተሃደራት ኤርትራ ሰፊሕ ዕንወት ከም ዝወረዶም ሓይልታት ትግራይ’ውን፡ ድሒሮም፡ ተረፍ-ነድሮም ናብቶም ስደተኛታት ከም ዘውጽእዎ ገለ ካብቶም ስደተኛታት ይገልጹ። እቲ ኲናት ቅድሚ ምጅማሩ፡ ኣስታት 50-ሽሕ ዝገመቱ፡ ካብ ምልኪን ገደብ-ኣልቦ ሃገራዊ ኣገልግሎትን ዝሃደሙ፡ ስደተኛታት ኣብ ክልል ትግራይ ተዓቚቦም ምንባሮም ይፍለጥ። ብመሰረት ጸብጻብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ትግራይ ኣብ ኣርባዕተ መዓስከራት ክነብሩ እንከለዉ፡ ካልኦት ኣስታት 42-ሽሕ ዝገመቱ ድማ ኣብ ካልእ ከባቢታት ኢትዮጵያ ተዘርጊሖም ዝነበሩ’ዮም። ክልተ ካብተን መዓስከራት ስደተኛታት ኣብ ፈላሚ እዋን’ቲ ኲናት ድሕሪ ምፍራሰን፡ ደሃይ’ቶም ኣብኣተን ተዓቚቦም ዝነበሩ ስደተኛታት የሎን። ዝሓለፈ ሰሙን፡ ሓይልታት ትግራይ ኣብ ዝገበሩዎ መጥቃዕቲ፡ ንመዓስከራት ማይ-ዓይኒን ዓዲ-ሓሩሽን ኣብ ትሕቲ ቁጽጽሮም የእትዮመን ኣለዉ። ካብ ነበርቲ ስደተኛታት መዓስከር ዓዲ-ሓሩሽ ንኣገልግሎት ዜና ኣሶሸትድ ፕረስ ከም ዝሓበሩዎ፡ ሓይልታት ትግራይ ልዕሊ 10 ዝበጽሑ ስደተኛታት ጨዊዮም፣ ናብ ገዛውቲ ብምእታው ድማ ሞባይላትን ካልእ ቀረባትን ዘሚቶም። ሓደ ስሙ ክዕቀበሉ ዝሓተተ ስደተኛ፡ ከምኡ ዝመስል ዝምታ መዓልታዊ የጋጥም ምህላዉ የመልክት። ዝሓለፈ ሰሙን፡ ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ጨንፈር ኢትዮጵያ፡ ኣን ኮንትረ፡ ነቲ ዝፍጸም ዘሎ በደላት ኣትሪራ ኰኒና ነይራ። እታ ኮሚሸነር ኣብ መግለጺኣ፡ ብዛዕባ ሞት ሓደ ኤርትራዊ ስደተኛ ድሕሪ ምሕባራ፡ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ስደተኛታት ግን ብፍርሒ ተሸቝሪሮም ናብ ዝኸዱዎ ሓርቢቱዎም ከም ዘሎ ኣመልኪታ። ተኸታታሊ ጉዳያት ስደተኛታት ኢትዮጵያ’ውን ነቲ ፍጻመ “ጅሆ ከም ምሓዝ” ክብል ገሊጹዎ። ሓይልታት ክልል ኣምሓራ፡ ዳግም መሬት ንምምላስ ንብዙሓት የዕጥቑሉ ኣብ ዘለዉሉ እዋን፡ እቲ መዓስከር ኣብ ተኣፋፊ ቦታ’ዩ ዘሎ። ከም ሓበሬታ ኣብ ዓዲ-ሓሩሽ ዝርከቡ ስደተኛታት’ውን ሓይልታት ትግራይ፡ ኣብቲ መዓስከር ኣጽዋር ከዚኖም ኣለዉ። ሓላፊ ጉዳያት ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት፡ ፍሊፖ ግራንዲ ነቲ ኣብ ቀረባ ሰሙናት ዝተራእየ ማእሰርቲ “ኣማኢት” ኤርትራዊያን ኣብ ሽረን ካልእ ቦታታን ብትሪ ኰኒኑ። ብመሰረት መግለጺ ግራንዲ፡ ካብቶም ተቐናቐንቲ ሓይልታት፡ “ምስ ኣንጻር ወገን ምድንጋጽ ኣለኩም” ብዝብል ምስምስ፡ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ስደተኛታት መጭወይቲ፡ ማእሰርቲን መጥቃዕቲን ከም ዝወረደ ቤት-ጽሕፈቱ ጭቡጥ ሓበሬታ ረኺቡ’ዩ። እቲ ጸብጻብ እቲ ዓመጻት ኲናት ካብ ዝጀመረሉ ወርሒ ሕዳር ኣትሒዙ ክርአ ምጽናሑ ይውስኽ ። ሓይልታት ትግራይ፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ ኤርትራዊያን ስደተኛታት ወሪዱ ዝተባህለ ግፍዒ ብምዅናን፡ ንሳቶም ግን ኣካሉ ከም ዘይኰኑ፡ ብሓሙስ መግለጺ ኣውጺኦም። ነዚ ጉዳይ ዝምልከት ንወሃብ-ቃል ኣቶ ጌታቸው ረዳ ንምርካብ ግን ኣይተኻእለን። ሃለዋት’ቶም 9,200 ዝበጽሑ፡ኣብ መዓስከራት ሕጻጽን ሽመልባን ዝነበሩ ኤርትራውያን ዛጊት ኣይተፈልጠን። ኣብ ወርሒ ሕዳር ኲናት ድሕሪ ምጅማሩ፡ እተን መዓስከራት ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ’የን ኣትየን። ዳሕራይ ሰራዊት ኤርትራ ምስ ምንስሓቦምን ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ሓይልታት ትግራይ ድሕሪ ምእታወንን ድማ፡ ናይ ሕነ ምድፋይ ተርእዮ ከም ዝነበረ ነበርቲ ይሕብሩ። ብሰንኩ 10 ኤርትራውያን ካብቲ መዓስከር ውጽእ ኣብ ዝበለ ቤተ-ክርስትያን ተቐቲሎም። “ኣዚና ስለ ዝፈራሕና ነቲ መዓስከር ገዲፍናዮ ሃዲምና። ሚሊሻ ትግራይ ግን ተኸቲሎምና” ይብል ኣብ መዓስከር ሕጻጽ ዝነበረ ሓደ ስደተኛ። “ምስ ኣርከቡና ቦምባ ደርብዮምልና። ኣነ ዝፈልጦም ሰባት እኳ ሽዑ ተቐቲሎም። ሰራዊት ኤርትራ ስለ ዘጥቅዖም ሕነ ክፈድዩ ዝደለዩ ይመስሉ።” ካልእ ኤርትራዊ ስደተኛ’ውን ተመሳሳሊ ፍጻመ ከም ዝረኣየ ሓቢሩ። ዝባን ገደና ኣብ ዝብሃል ከባቢ ካብ 40 ክሳብ 60 ዝበጽሑ ምስኡ ዝጓዓዙ ዝነበሩ ኤርትራውያን ስደተኛታት ከም ዝተቐትሉ’ውን ካልእ ስደተኛ ይነግር። ብመሰረት ካልእ ናይ ዓይኒ ምስክር ድማ ምስኡ ዝነበሩ ኣስታት ዓሰርተ ዝዀኑ መጓዕዝቱ፡ ብዕጡቓት፡ ከም ዝተቐትሉ ሓቢሩ። “ኣብ ህይወተይ ከምኡ ፈሪሐ ኣይፈልጥን፡” ይብል እቲ ስሙ ክዕቀበሉ ዝሓተተ ስደተኛ። ነብሶም ከድሕኑ ዝሃደሙ ስደተኛታት፡ ብሓይልታት ትግራይ ተኣኪቦም ናብ መዓስከር ሕጻጽ ከም ዝምለሱ’ዮም ኰይኖም። ብመሰረት ሓበሬታ’ቶም ስደተኛታት እቲ ዝኸፍአ እዋን ድሕሪኡ ዝሰዓበ’ዩ: “ወርሒ ዝኸውን ዝብላዕን ዝስተን ኣይነበረን። ቆጽሊ ሸምጢጥና እናበላዕና ኢና ተሳሊና፡” ይብል ። ብዙሓት ከም ዝጠቕሱዎ፡ ሓይልታት ትግራይ ንመዓስከር ሕጻጽ ኣብ ታሕሳስ ድሕሪ ምቍጽጻሮም፡ ናይ ስደተኛታት መግቢን ካልእን መንዚዖም። ኣብ ሽመልባ ዝነበሩ’ውን ተመሳሳሊ ዛንታ’ዮም ዝነግሩ። ኣብ ወርሒ ጥሪ፡ ኣብ እዋን ኲናት፡ 16 ስደተኛታት ከም ዝተቐትሉ የምልክቱ። ብሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝተገብረ ዳህሳስ፡ እቲ ዝተባህለ ሞት 16 ስደተኛታት ደኣ ይረጋገጽ እምበር፡ ፈጸምቱ መን ምዃኖም ግን ምፍላይ ኣይተኻእለን።ነቲ መጥቃዕቲ “ብዕጡቓት ወገናት” ዝተፈጸመ ክብል ድማ ይገልጾ ። ኣብ ወርሒ ጥሪ ሰራዊት ኤርትራ ንመዓስከር ሕጻጽ ድሕሪ ምቍጽጻሮም፡ ነቶም ኣብኡ ዝጸንሑዎም ኤርትራውያን ስደተኛታት ንኤርትራ ክምለሱ’ዮም ነጊሮሞም። “ሰራዊት ኤርትራ፡ ብመገዲ ሸራሮ ኣቢልና ንኤርትራ ክንከይድ ሓቢሮምና። ኣብ ሸራሮ ምስ በጻሕና ኣብ ዓበይቲ ናይ ጽዕነት መካይን ክንስቀል ምስ ነገሩና፡ ኣነ ኣምሊጠ፡” ይብል ሓደ ካብቶም ኣብኡ ዝነበሩ ስደተኛታት። ካልኦት ኣሽሓት ኤርትራውያን ድማ ብእግሮም ናብ ኤርትራ ክጓዓዙ ከም ዝተገደዱ መሰኻኽር ይገልጹ። ካብቲ ሃዲመምሉ ዝመጹ ጨቋኒ ስርዓት፡ ዝበኣሰ ከይስዕቦም’ውን ስለ ዝፈርሑ፡ ገሊኣቶም ድሮ ካብ ኤርትራ ሃዲሞም ናብ ትግራይ ተመሊሶም ኣለዉ። ኣሶሴይትድ ፕረስ ነዚ ብዝምልከት ሚኒስተር ዜና ኤርትራ ንሕቶኦም ከምዘይመለሰ ይገልጽ። ሕጂ ኣብ አዲስ አበባ ዘሎ ኤርትራዊ ስደተኛ ከም ዝሕብሮ፡ ወተሃደራት ኤርትራ፡ ነቶም ስደተኛታት ክወጹ ድሕሪ ምእዛዞም፡ ላምባ ነስኒሶም ኣብ ሕጻጽ ዝነበረ ገዛውቲ ከቃጽሉዎ ብዓይኑ ከም ዝተዓዘበ ይገልጽ። ካብ መዓስከራት ሽመልባን ሕጻጽን ስደተኛታት ብሰራዊት ኤርትራ ተጨዊዮም ከም ዝተወስዱ ንኣሶሸትድ ፕረስ ሓቢሮም። ብመሰረት ጸብጻብ ሕቡራት ሃገራት፡ 7,300 ኣቢሎም ዝግመቱ ኣብ ሽመልባን ሕጻጽን ዝነበሩ ስደተኛታት ናብ ማይ-ዓይኒን ዓዲ-ሓሩሽን ግዒዞም’ዮም። ሕጂ ኲናት መሊሱ በርቲዑ፡ ሓይልታት ትግራይ ቦታታቶም ኣብ ዘምልሱሉ ዘለዉ እዋን ከኣ ውሕስነት እዞም ስደተኛታት ኣብ ዝኸፍአ ኣሎ። ሓደ ስደተኛ ካብ መዓስከር ዓዲ-ሓሩሽ ኣብ ዝለኣኾ ናይ ጽሑፍ መልእኽቲ ቴለፎን፡ ብስእነት መግቢ፡ ዋሕዲ ቀረባትን ከምኡ ድማ ብሓይልታት ትግራይ ቀጻሊ መጥቃዕታት ይወርዶም ከም ዘሎ ልኢኹ። “ስለ ፈጣሪ ካብዚ ክንወጽእ ሓግዙና፡” ድማ ይብል። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል::
tigrigna.voanews.com2d

ፍሉይ ባህሊ መሪሕነት ቀደመይቲ ጓል-ኣንስተይቲ ም/ኮሚሽነር ፖሊስ ኬንያ

ዋኒኒ ኪረሪ ንመዝነት ምኽታል ኮሚሽነር ፖሊስ ኬንያ ዝበጽሐት ቀዳመይቲ ጓል-ኣንስተይቲ’ያ። ኣብታ ሃገር ዝርከባ፡ ንደቂ-ኣንስትዮን ደቂ-ተባዕትዮን ዝሕዛ ኣብያተ-ማእሰርቲ ምክትታል ድማ’ዩ ስራሓ። እዛ ቀዳመይቲ ሓላፊት ኣብያተ-ማእሰርቲ ኬንያ ጸኑዕ ግን ከኣ ሰብኣዊ ኣተሓሕዛ ብዘለዎ ኣተኣላልያ’ያ እትልለ። ዋኒኒ ኪረሪ ቀዳመይቲ ጓል-ኣስንተይቲ ምኽትል ኮሚሽነር ኣገልግሎት ኣብያተ-ማእሰርቲ ኬንያ ጥራይ ዘይኰነትስ፡ ንማእከል መሰልጠኒ ፖሊስ ራይሩ ዝመርሐት ናይ ፈለማ ጓል-ኣንስተይቲ’ውን’ያ። ኣብ 1982 ናብቲ ሞያ ዝተጸንበረት ኪረሪ፡ ኣብ በበይኖም ጽሕፍታት ክትዓዪ ድሕሪ ምጽናሓ’ያ፡ ኣብዚ መጨረሽታ ናብ ዘለዋ መዝነት ክትድዪብ ክኢላ። ኪረሪ፡ ላንጋታ ኣብ ዝተባህለ ቤት ማእሰርቲ ደቀንስትዮ ናይሮቢ፡ ትሰርሓሉ ኣብ ዝነበረት እዋን፡ ንህይወታ ነጥበ-መቐይሮ ከም ዝነበረ ትሕብር። እቲ ስራሕ ድማ ኣብ ታሪኽ ኣብያተ-ማእሰርቲ ኬንያ ሓድጊ ከተትርፍ ከም ዘኽኣላ ትኣምን። ንሳ ናይ ቤት ማእሰርቲ ላንጋታ ጻንሖታ፡ ንኪረር ንመጻኢ ህይወታ ክትርኢ ኣኽኢሉዋ’ዩ። ጽቡቕ ስም ከተጥሪ ዝሓገዛ ድማ ዘይወላውሉ ግን ከኣ ትብዓት ዘድልዮም ስጕምታት ስለ ዝወሰደት ምዃኑ ትገልጽ። ኪረሪ፡ መራኸቢ-ብዙሃን፡ ንኣተሓሕዛ ቤት-ማእሰርቲ ላንጋታ መጺኦም ክፍትሹን ናብ ውሽጢ ኣትዮም ደረቕን ተንቀሳቓሲን ስእልታት ክወስዱን ዘፍቀደት ቀዳመይቲ በዓልቲ-ስልጣን’ያ። ብእኡ ኣቢላ ድማ እሱራት ኣደታት ደቀንስትዮ ምስ ደቀን ከመይ ከም ዝተሓዛ ከተርኢ ክኢላ። ምስ ቍንጣሮ ቀረባት ከምእኒ መንዲል ንጽህናን ዋሕዲ ንህጻናት ዝኸውን መእለዪን፡ ኣብቲ እዋን፡ ደቀንስትዮ እሱራት ኣብ መሬት’የን ዝድቅሳ ነይረን። ኣብ ታሕተዋይ መዝነት እንከላ ዝርኣየቶ ሰንኮፍ ኣተሓሕዛ ንኽትልውጥ ናይ ውሽጢ ጻውዒት ከም ዝዀና ድማ ትኣምን። “እቲ ዝርእዮ ዝነበርኩ ኣይተዋሕጠለይን። ሕማቕ ኣተሓሕዛ እዕዘብ ነይረ። ክልውጠሉ ኣብ ዘይክእል ደረጃ መዝነት ስለ ዘይነበርኩ ግን ክገብሮ ዝኽእል ኣይነበረን። ቈልዑ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ምሓዝ ከኣ ናይ ገዛእ-ርእሱ ውሱንነት ኣለዎ።" ኣብ ውሽጣ ዝስመዓ ዝነበረ ሓልዮት ኣብ ልዕሊ እሱራት፡ ዳሕራይ ናብ ዝተረረ ቤት ማእሰርቲ ደቂ-ተባዕትዮ ሞምቦሳ ምስ ተቐየረት’ውን ለውጢ ከተተኣታቱ ሓጊዙዋ’ዩ። ኪረሪ ናብዚ ዘላቶ ደረጃ ንኽትበጽሕ ዘኽኣላ ተመኵሮ ስራሕ ክትገልጽ እንከላ“ናብቲ ቤት ማእሰርቲ ከም ሓለቓ ኣይኰንኩን ዝኸይድ። ኣማሕዳሪት ክሳብ ዝዀንኩ፡ ናይ ኣደ ባህሪ ተላቢሰ’የ ክሰርሕ ዝፍትን። ውጽኢት ናይቲ ከምኡ ዝመስል ኣተኣላልያ ድማ ኣብ ውሽጢ ወርሒ ርእየዮ። እሱራት ልቦም ኣውዲቖም ብግልጺ ክዛረቡኒ ጀሚሮም። እቲ መሰረታዊ ምስጢር፡ ምስማዕ ምዃኑ ከኣ ተገንዚበ።”ትብል ። ናይ ቅድም እሱር፡ ናይ ሎሚ ኣብ ዘይመንግስታዊ ትካል ተሓላቒ ማሕበራዊ ፍትሒ ፔተር ኦውኮ፡ ሓደ ካብቶም ኪረሪ እትኣልዮ ኣብ ዝነበረት ቤት ማእሰርቲ ዝነበረ’ዩ። ቀንዲ ምስጢር ብሉጽ ኣመራርሕ ኪረሪ ምስቶም ትሕቲኣ ዘለዉ ኣባላት ምውህሃድ ምዃኑ ኦውኮ ይምስክር። “ናይ ህዝቢ መራሒት፡ ልዕሊ ኩሉ ድማ ትሒታ እትመርሕ” ክብል ድማ ይገልጻ። እቲ ኣገባብ ኣመራርሓኣ እንኮላይ ናብቶም እሱራት ዘሪቝ ምንባሩ ይጠቅስ። ዕዉት ዝገብሮ ድማ ኵሉ-ሓቈፍ ኣተኣላልያ ምንባሩ’ዩ ኦውኮ ይገልጽ። ዋና መርማሪ ቪንሰት ማፐሳ፡ ቅድሚ ምስ ኪረሪ ምስራሑ፡ ዝቐደሙ ሸውዓተ ኣሕሉቕቱ ሰብኡት’ዮም ነይሮም። ንውሕልነት ኣመራርሓ ኪረሪ ክገልጽ እንከሎ ድማ፤ “ኣብ መሳርሕታ ምቹእ ናይ ስራሕ ኵነት’ዩ እትፈጥር። ፍልልይ ዝብሃል የሎን። ንሰብ ብስራሑ እምበር ብኻልእ ኣይትመዝኖን’ያ። ሓያሎ መሳርሕታ ድማ ዕቝር ዓቕሞም ከርእዩ ዕድል ይረኽቡ። ኣብ መንጎኣን ካልኦት ሰብኡት ኣሕሉቕተይ ነበረን እምበኣር እዚ ፍልልይ’የ ተዓዚበ።” ናብ ዝበረኸ ሓላፍነት፡ ምናልባት ዋና ሓለቓ ኣብያተ-ማእሰርቲ ኬንያ፡ ክትድዪብ ሕልሚ ከም ዘለዋ ኪረሪ ትነግር። ካልኦት ደቀንስትዮ ከይተሰከፋን ንኣተሓስስባ ሕብረተሰብ በዲሀንን ንዝለዓለ መዝነት ክሓልማን ክሰርሓን ድማ ትጽውዕ።
tigrigna.voanews.com2d